ACSOT Standing together for societal transformation!​
$ 0
Select Payment Method

To make an offline donation toward this cause, follow these steps:

  1. Write a check payable to "ACSOT"
  2. On the memo line of the check, indicate that the donation is for "ACSOT"
  3. Mail your check to:

ACSOT
Mekelle ,Tigray Ethiopia.
office @Debre Damo , Egri-mitkal Building

Your tax-deductible donation is greatly appreciated!

ብሄራዊ ዘተ ልሂቃን ትግራይ ንምክያድ ብሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይን ኣባላቱን ዝቐረበ ህፁፅ ፃውዒት

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ኣብ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ህንፀት ሰላም፣ ዳግመ ሕውየትን ልምዓታዊ ዘፈራትን ዝተዋፈርና ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ 124 ኣባላት ዝሓቖፈ ሕብረትና-ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ACSOT) ብዝገበረልና ህፁፅ ፃውዒት መሰረት ዕለት 27/10/2017 ዓ/ም ከምኡ’ውን ብዕለት 18/11/2017 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቀውስን ምዕባለታቱን ኣመልኪትና ዓሚቑ ገምጋም ድሕሪ ምክያድ ኣብዚ መዳይ ህፁፅ ምላሽ ዝህብ ካብ ኣባላት ቦርድ፣ ሴክሪታሪያትን ኣባላትን ዝተውፃእፀአ 11 ኣባላት ዝሓዘ ናይ ሓባር ሓይሊ ዕማም ኣጣይሽና ፈጣን ምላሽ ንምሃብ እናተረባረብና ንርከብ። በዚ መሰረት ትግራይ ሐዚ ኣትያቶ ዘላ ኩነታት ዓይነ-መርፍኡ ዝጠፍኦ ፖለቲካዊ፣ ፀጥታዊ፣ ሰብኣዊ፣ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ብርኪ ቅልውላው ብምግምጋም እዞም ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዘለወን  ዘይትካእ ግደ  ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ፀገም ናብ ካልእ ዝበኣሰ ቅልውላው ከይሰጋገርን ብህፁፅ ጠጠው ንክብልን ግቡእና ንምውፃእ ተበግሶ ክንወስድ ወሲና ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት እናዘራረብና ፀኒሕና ኢና። በዚ መሰረት እዞም ሐዚ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ዘተ ምክያድ ኣገዳሲን ወሳንን ምዃኑ ተረዳዲእና ኣለና። ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ዘተ ንምክያድ ዘገድዱ ኩነታትን እቲ ዘተ ንምክያድ እንኽተሎም ኣገባባትን ብዝምልከት ድማ ዝስዕብ ሓፂር መበገሲ ሓሳብ ክነቕርብ ንፎቱ። 

ከምዝፍለጥ እቲ ደማዊ ዂናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ብምኽንያት ንተኸታተልቲ ዓመታት ብዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎ ፀገም ፖለቲካውን ፀጥታውን ቅልውላው ዝወለዶ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ዓድናን ብቓላት ምግላፅ ዝኸብድ ስቓይን ኩለመዳያዊ ውድቀትን ኣስዒቡ ይርከብ፡፡ ምፍራም ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ኣብቲ እዋን ኲናት ዝተፈጠሩ ፀገማት ንምስትኽኻል ዓሚቕ ፖለቲካዊ ዘተ ብምስልሳል ሓቛፊ ዝኾነ ጊዚያዊ ምምሕዳር ብምትካል፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ብምርግጋፅ፣ ህዝብና ናብ መረበቱ ንምምላስን ብቕልጡፍ ናብ ዳግመ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ምህዋር ክንኣቱ ዝነበረና ተስፋ ብሰንኪ ብሓፈሻ ኣብ ፖለቲካዊ ልሂቃን ትግራይ ብፍላይ ድማ ብሰንስኪ ኣብቲ ላዕለዋይ ፀፍሒ መሪሕነት ዝነበሩን ዘለዉን ፖለቲካዊ መራሕቲ ትግራይ ዘጋጠመ ደረት ዘይብሉ ምፍልላይ ከምኡ’ውን ፌዴራል መንግስቲ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ምትግባር ክዋፅኦ ዝግብኦ ሓላፍነት ብዘይምውፃኡን ባህጊ ህዝብና ክሰምር ኣይከኣለን። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዘለዉ ልሂቃን ትግራይ ብታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ናብ ውጥጥ ካብ ምእታው ሓሊፎም ክሳብ ምትዃስ ክበፅሑ ኣብ ጫፍ በፂሖም ኣለው። በዚ ምኽንያት ድማ ይትረፍ ዶ እቶም ናይ ትግራይን ህዝባን መሰረታዊ ዝበሃሉ እዋናዊ ጠለባት ንምምላስን ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕን ካልእ ተደራቢ ፀገም እናፈጠሩ ሸኽሙ የብዝሑሉ ኣለዉ። ኣብ ወሰንቲ ዝበሃሉ ብሄራዊ ዋኒናትን ረብሓታትን ትግራይን ህዝባን ሓቢርካ ምስራሕስ ይትረፍ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ መራሕትን ውዳበታቶምን ምስ ፀገም ትግራይ ክፈትሑስ ነናይ ባዕሎም ረብሓ ንምስኻዕ ድንን ቅንዕ ዝብሉ ሃገራውን ጂኦ-ፖለቲካውን ሓይልታት ብምሽራኽ ትግራይን ህዝባን ክንወፆ ናብ ዘይንኽእል ህሞት ከእትውናን፣ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ንባዕሉ ክታኾስን ዝኽእለሉ ክስተት ኣብ ቅድሜና ተደቂኑ ይርከብ። ብምዃኑ’ውን በዚኦምን ካልኦት ተደመርቲ ምኽንያታትን እቲ ምስ ፌዴራል መንግስቲን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘተኣሳስረና ብሕታዊ ገመድ ክብጠስ ኣብ ጫፍ ዝበፅሐሉ ዕድል ሰፊሑ ይርከብ። ንሕና ኣብ ዝተፈላለዩ ሴከተራት እንነጥፍ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ድማ ህዝብናን ረብሓታቱን ወኪልና እንሟገት ከምምዃንና መጠን ረብሓ ህዝብናን ዓድናን ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ኣብ ቅድሜና ተደጒሉ ዘሎ ሓዊ ከይባራዕን ህዝብና ክወፆ ናብ ዘይኽእል ዓዘቕቲ ከይኣቱን ንምግባር ሓደን ወሳንን ኣማራፂ ብሄራዊ ዘተ ልሂቃን ተጋሩ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ባዕላዊ ግጭትን ወረ ኲናትን ዘተርፍን ሰላም ዘፅንዕን  ሓቛፋይ ብሄራዊ ዘተ ልሂቃን ተጋሩ ብህፁፅ ክጅመር ብሄራዊ ፃውዒት እናገበርና ኩሎም ልሂቃን ትግራይ ብፍፁም ቅኑዕ ልቦና ክሳተፉ ንፅውዕ። 

በዚ መሰረት እዚ ዘተ ዝካየደሉ ኣግባብን መስርሓቱን ዝምልከት ንምምይያጥ ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ 2 ሰሙን ከምእነካይድ እናፍለጥና ዝተፈላለዩ ክፍላት ማሕበረሰብ ዝውክሉ ሊሂቃን ተጋሩ ከምኡው’ን ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዘሎ መላእ ህዝብና እዚ ዝተለምናዮ ብሄራዊ ዘተ ተኻይዱ ፀገማት ሕብረተሰብና ንክቃለሉን ናብ ዳግመ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ምህዋር ንክንምለስ ኩለመዳያዊ ደገፍ ንክገብረልና ፃውዒትና ነቕርብ::


                                      መቐለ፣ ትግራይ
                                    ነሓሰ 01/ 2017 ዓ.ም
               ሓይሊ ዕማም ሰላምን ዘተን ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ 
  

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *