ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ናይ ዝነጥፋ 124 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ጥምረት ዝኾነ ሕብረትና -ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ACSOT) ምስ ሽዱሽተ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ቢዝነስን ናይ ሃይማኖት ትካላትን ብምዃን ብዕለት 27/03/2017 ዓ/ም ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ በዓል ሸሞንተ ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ምውፅኡ ስዒቡ ብዋናነት ኣብቲ ናይ መጀምርታ ነጥቢ ናይቲ መግለፂ ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ይወሃቡ ከምዘለውን ብዝተፈላለዩ ትካላት መግለፅታት ይወፁ ከምዘለውን ተገንዚቡ ኣሎ። በዚ መሰረት ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ነቶም ካብ ዕላማ እቲ መግለፂ ወፃኢ ዝተወሰዱ ርድኢታትን ደንገርገራትን ምብርህራህ ዘድሊዮም ምዃኑ ብምርዳእ እዚ መብርሂ ክነውፅእ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና። 

ሙሉእ ትሕዝቶ መግለፂ ኣብዚ ኣለኩም…

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *